Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ውሳነ ክሳብ ዝመሓላለፍ ኣብ መንበሪኦም ኮይኖም ንክሰርሑ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቫይረስኮሮና(ኮቪድ 19) ከስዕቦ ዝኽእል ገደብ ኣልቦ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገም ንምክልኻል ዓሊሙ ህፁፅ ኣኼባ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ፥ ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ኣብያተ ዕዮ ካብ ፅባሕ 16 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ውሳነ ክሳብ ዝመሓላለፍ ኣብ መንበሪኦም/ገዝኦም ኮይኖም ንክሰርሑ ወሲኑ ኣሎ።

ኣብ ገዘኦም ኮይኖም ንክሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብመሰረት ኣብ ሕድሕድ ኣብያተ ዕዮ ዝወፅእ ደንቢ ዝፍፀም ከምዝኸውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

መበገሲ ምኽኒያት እቲ ውሳነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ምጭንናቕ ትራንስፖርት ንምቕናስ ዝዓለመ ከምዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ህፁፅ ኣኼብኡ፥ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ካልኦት ንኡሳን ኮሚቴታት’ውን ኣቚሙ ኣሎ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.