Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰራሕተኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ኣካይዶም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ በቀለ ሙለታ፥ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ኣካል እዚ ወለዶ ብምዃኖም ክታም ሓምለዋይ ኣሰር ከንብሩ ኣለዎም ብዝብል ኢዩ እቲ ተኸላ ፈልሲ ተኻይዱ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብተመሳሳሊ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተሳለጠ ምትካል ፈልሲ ከምዝተሳተፉ ብምዝኽኻር፥ ሎሚ ዘበን እውን ነዚ ንምቕፃል ዓሊሙ ተኸላ ከምዝተኻየደ እውን ተዛሪቦም።

ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ንትውልዲ ዝሓልፍ ነገር ንምፍፃም ኢዩ ዝበሉ ኣይተ በቀለ፥ እንተተኸናኺንናዮ፣ እንተፅዲቕናዮን ንቐፃሊ ወለዶ ምምሕልላፍ እንተተኻኢሉን ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክኸውን ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ካብቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ኣፕል ከምዝርከቦ ብምግላፅ እዚ ድማ እቲ ተኽሊ ን200 ዓመታት ፍረ ዝህብ ብምዃኑ ንቐፃሊ ወለዶ ዝሰጋገር ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ግቡእ ክንክን ምግባር ከምዘድሊ ብምሕባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰራሕተኛታትን ጋዜጠኛታትን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ዝተተኸሉ ኣስታት ፍርቂ ከምዝፀደቐ ኣብሪሆም።

ሎሚ ዘበን ንዝተተኸሉ ንምክንኻንን ንምፅዳቕን ዓሊሙ ሓደ ጉጅለ ከምዝተጣየሸ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.