Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊትና ውሽጣዊ ሓድነቱ ከጠንክር ይግባእ – ጀነራል ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣብ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ምክልኻል እዋን ፃንሒቶም ዝዛዘሙን ልዑል ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዕቤት መዓርግ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን እቲ ሰራዊት ውሽጣዊ ሓድነቱ ከጠንክር ከምዘለዎ ኣገንዚቦም::

“ናይ ውሽጢን ደገን ፀረ ሰላም ሓይሊታት ንሰራዊትና ብዘርኢን ሃይማኖትን ንምክፍፋል ብሚዲያ ዘጋውሑዎ ቤላቤሎ ብምስማዕ ውሽጣዊ ሓድነትና ክሽርሸር የብሉን” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዝኾነ ይኹን ሰራዊት ናብ ሰራዊት ምክልኻል እንተተፀምቢሩ ፕሮፌሽናል ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ጀነራል፥ “ዕላማና ሉኣላውነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ምሕላውን ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሓላፊ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ምክልኻል ሌ/ጀነራል ደስታ ኣብቼ ብግደኦም፥ ክፍሊ ምህንድስና ሃገርና ኣይትብተንን ብምባል ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ” ምባሎም ካብ ፌድቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዕቤት መዓርግ ዝረኸቡ ኣባላት ሰራዊት ብግደኦም፥ ከም ሃገር ልዑል ወፈሪ ፈፂሞም ዕቤት መዓርግ ምርካቦም ከምዘሕጎሶምን ኣብ ቀፃሊ ንዝወሃቦም ዝኾነ ይኹን ልኡኽቶ ድሉዋት ከምዝኾኑን ተዛሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.