Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምሩኻት ሱዳን ኣብ ኣደባባይ ቀቲሉ ብዝብል ብጦር ሱዳን ዝናፈስ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ “ኣተሓሕዛ ምሩኻት ብዘይተኸተለ መገዲ ወታደራተይ ቀቲሉ” ብዝብል ጦር ሱዳን ዘናፍሶ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ወታደራዊ ሓይሊ ሱዳን ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሰራዊቱን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝኸድዑ ኣመራርሓን ኣባላትን ተዋዲዶም ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ብምእታው ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ሚሊሻን ነባሪን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘይነበረሉ ኩነታ “ምሩኻት ቀቲሉ” ብዝብል ብወገን ሱዳን ክሲ ምቕራቡ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ከባቢ ዘይነበረ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ምሩኻት እንተዝሕዝ እኳ መለለዪ ባህሪኡ ብዝኾኑ ኣኽባራይነት ሕጊን ህዝባውነትን መሰረት ብምግባር ክሕዞም ይኽእል ከምዝነበረ ኣረጋጊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ መንግስቲ ስጉምቲ ንኽወስድ እንትእዝዞ፥ ከም ሽፍታ ዘይኮነስ ከምስሩዕን ዘበናዊን ዘበናዊን ጦር ብጥብቂ ናይ እዚ ሰንሰለት እናተመርሐ ዝንቀሳቐስ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ንዘላቒ ሰላም እንትበሃል ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ጉዳይ ንምፅራይን ንምምርማርን ዝደሊ ኣካል እንተሃሊዩ ንምትሕብባር ከምኡ እውን ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝተውፃእፀአ ኮሚቴ ምክልኻል ንኽሪኦ እንተድልዩ እውን ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.