Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ንፁን ጉድኣት እንተየብፀሐ ብልዑል ጥንቃቐ ወታደራዊ ዓቕሚታት ፈልዩ ስጉምቲ እናወሰደ ይርከብ – መፃረዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ንፁን ጉድኣት እንተየብፀሐ ብልዑል ጥንቃቐ ወታደራዊ ዓቕሚታት ፈልዩ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብ መፃረዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ኣፍሊጡ።

መፃረዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ጉጅል ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሳልሳይ እዋን ጎንፂ ከምዝቐስቀሰን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመን ኣብሪሁ።

መጥቃዕቲ ናይቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ጠጠው ንምባል መንግስቲ ናይ ምክልኻል ስጉምቲታት እናወሰደ ምፅንሑ እውን ገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ወታደራዊ ዓቕሚታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝተመረፀ ኩነታትን ብልዑል ጥንቃቐ ዕላማ ብምግባር ናይ ምክልኻል ልኡኽትኡ እናፈፀመ ከምዝርከብ ኣብሪሁ።

“እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ቅድሚ ሕዚ እናገበሮ ከምዝፀንሖ÷ ወታደራዊ ዓቕሙን ኣመራርሕኡን ኣብ ኣቢያተ እምነት፣ ትካላት ጥዕና፣ ኣቢያተ ትምህርቲን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ቦታታትን ሲቪላት ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት እናሐብአ ይርከብ” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንብረታት ውሕመን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዝ ትካላትን ንመጓዓዚን መኽዚን መሳርሒን እናተጠቐመሎም ከምዝርከብ ፀሪሑ።

ሰራዊት ምክልኻል እውን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ጉድኣት እንተየብፀሐ ብልዑል ጥኝቃቐን ፅሬት ዕላማን ወታደራዊ ዓቕሚታት ፈልዩ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ሕዚ እውን ሎምቅነ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመረፁ ዒላማታት ወታደራዊ ናውቲን ተተኮስቲን ዝርከቡሉ ቦታ ዒላማ ብምግባር ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊፁ።

ነቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምሕጋዝ ብታሪኻዊ ፀላእቲ ዝተላእኸ ኣውሮፕላን ተወቒዑ ካብ ዝወደቐሉ እዋን ኣትሒዙ÷ ኣየር ክልል ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ቁፅፅር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.