Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን 11 መስከረም ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝወፅእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ሰራዊታ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 11 መስከረም 2021 ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ከም ዝወፅእ ንምሕባር ትልሚ ሒዛ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ብመሰረት ምምሕዳር ዶናልድ ትርምፕ ምስ ታሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርዎ ስምምዕ፥ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ኣፍጋኒስታን ንክወፅእ መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ ይዝከር።

እንተኾነ ምውፃእ ሰራዊት ናይ ኣፍጋኒስታ ምስቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ዎርልድ ትሬድ ሰንተርን ፔንታጎንን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ክሳነ ስለ ዝተደለየ እቲ መዓልቲ ከም ዝተሰሓበ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንምውፃእ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.