Fana: At a Speed of Life!

“ሰራዊት ዝሰፍረሉ ቦታ ንምህናፅ ዘኽእል ፍቓድ ንግብፂ ሂባ” ብዝብል ዝናፈስ ዘሎ ወረ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ- ደቡብ ሱዳን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሰራዊት ዝሰፍረሉ ቦታ ንምህናፅ ዘኽእል ፍቓድ ንግብፂ ሂቡ ብዝብል ኣብዚ ሰሙን ዝናፈስ ዘሎ ወረ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ቤት ዕዮ ዓለም ለኻዊ ትሕብብርን ጉዳያት ወፃኢን እታ ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ግብፂ ኣብ ከባቢ ፓጋክ ሰፈር ሰራዊት ንምህናፅ ዘኽእል ፍቓድ ሂባ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተወዘዐ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መሰረተ ቢስን ኢዩ።

ነቲ ዝተብሃለ ጉዳይ ዝኸውን መሬት ንግብፂ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ፍፁም ከምዘይተፈፀመ እውን ኣብሪሁ።

ኢትዮጵያን ግብፂን ንደቡብ ሱዳን ፈተውታ ኢየን ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን እጃም ልዑል ከምዝነበረ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ምትሕብባር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣብ ግዝኣት ኣብየ ሰላምን ፀፅታን ንክዓስል ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ እውን ገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ወረ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ሰላም ብዘይደሊዩ ሓይሊታት ዝተወዘዐ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ጁባ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ሕውነት ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣፍሊጡ።

ደቡብ ሱዳን ሰላም እትደሊ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ናይ ሓባር ተረባሕነት ብዘረጋግፅ መገዲ ምስ ጎረባብቲ፣ ኣብቲ ቀጠና ምስ ዘለዋ ሃገራትን ሃገራት ዓለምን ብሓባር ክትሰርሕ ኢያ ክብል እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.