Fana: At a Speed of Life!

ሰባት ሓድሽ ቫይረስ ኮሮኖ ናብ ዝተረኣየላ ከተማ ዉሃን ከይጓዓዙ ሰበ ስልጣን ቻይና ኣጠንቂቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰበ ስልጣን ቻይና ዛጊድ ትሽዓተ ሰባት ዝቐተለን ሓድሽ ቫይረስ ኮሮኖ ዝተረኣየላን ከተማ ዉሃን ዝኣትዉን ዝወፅኡን ሰባት ጉዕዞኦም ንክስርዙ ኣጠንቂቖም።

ኣስታት 11 ሚልየን ነበርቲ ዝርከቡላ ከተማ ዉሃን፥ ኣብታ ከተማ ዝግበሩ ህዝባዊ ኣኼባታትን ንኽቋረፁ እውን ኣገንዚቦም።

እቲ ሓዱሽ ቫይረስ ካብ ከተማ ዉሃን ናብ ካልኦት ከተማታት ቻይና ኣናተዛመተ እንትኸውን፥ ካብ ቻይና ወፃኢ ናብ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ታይላንድን ደቡብ ኮርያን ከምዝተሰጋገረ እውን ተገሊፁ።

እቲ ሓዱሽ ለበዳ ሕማም ካብ ዝጅምር ንመጀመርታ ግዘ መግለፂ ዘሃቡ ምክትል ሚኒስትር ብሄራዊ ኮሚሽን ጥዕና ቻይና ሊ ቢን፥ “ናብ ዉሃን ከይትኸዱ፤ ኣብ ከተማ ዉሃን ዘለኹም ሰባት ድማ ነታ ኸተማ ሓዲግኩም ከይትወፅኡ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሓላፊ ብተወሳኺ፥ ቻይና ነቲ ሕማም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ወሳኒ ሰዓት ከምዝኾነት ገሊፆም።

እቲ ብቕልጡፍ እናተዛመተ ዝርከብ ሓድሽ ቫይረስ ኮሮኖ፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ሰብመዚ ቻይና ምርግጋፆም ይዝከር።

እቲ nCoV-2019 ዝብል ሽም ዝተውሃቦ ቫይረስ፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ደቂ ሰባት ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕዱሽ ቫይረስ ኮሮኖ ከምዝኾነ እውን ተረጋጊፁ ኣሎ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ፥ ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ኢንፌክሽን ምፍጣር፣ ዋዒ፣ ሰዓል፣ ሕፅረት ትንፋስን ንምትንፋስ ምፅጋምን ዝበሉ ምልክታት ከምዘርኢ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.