Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ናብ መቐለ እናኣተዋ ምዃነን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና 85 ተሸከርከርቲ ናብ መቐለ ከምዛኣተዋ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝከፋፈል ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ቀፂሉ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ ትማሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተወሰኽቲ 85 ናይ ፅዕነት ተሸከርከርቲ መቐለ ምብፀሐን ገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተወሰኽቲ 130 ተሸከርከርቲ ናብ ትግራይ እናኸዳ ከምዝኾና ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን እዚ ዓመት ንደሓር ናብ መቐለ ካብ ዝተጓዓዘ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመጠን እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ዓፋር ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ብፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝተሰናደአ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝከፋፈል ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.