Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ትርፎም ጥራሕ ካብ ዝሓስቡ ሃገር ከድሕኑ ይግባእ – ኣይተ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)እዋኑ ፈተና ዝበፅሖን ፈታኒን ስለዝኾነ ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ትርፊ ጥራሕ ካብ ዝሓስቡ ሃገር ከድሕኑ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣተሓሳሲቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሐሎም 27 ዓማውቲ፥ ብዙሓት ሽርሒታት ኢኮኖሚ እናሰርሐ ከምዝነበረ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ብሽፋን ናፃ ኢኮኖሚ ሓደ ኣካል ጥራሕ ተረባሒ ዝገብርፖሊሲ ምውፃእ፣ ፋብሪካ ሲሚኒቶ መሰቦ ጥራሕ ተረባሒ ንምግባር ተወሰኽቲ ፋብረካታት ሲሚኒሰቶ ከይኽፈቱ ዝእግድ ፖሊሲ ምውፃእ፣ ንኮንስትራክሽን ዝውዕሉ እታወታት ብውሱናትን ነቲ ጉጅለ እሙናት ብዝኾኑ ኣካላትን ጥራሕ ካብ ወፃኢ ክመፅኡ ምፍቃደ፣ ብሽፋን ኢንቨስትመንት ሰፋሕቲ መሬታት ብመሓዝ ካብ ባንኪታት ኣገልግሎት ልቓሕ ምሕታትን እቲ ልቓሕ ብግቡእ ዘይምምላስን ካብ ሞንጎ ዝተሰርሑ ሽርሒታት ከምዝፅርሑ ገሊፆም፡፡

ነዚ ሽርሒ ኢኮኖሚ ዝተረደአ ሓይሊ ለውጢ፥ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ምንቅስቓስ እናገበረ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፥ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዝኸፈቶ ኲናት ዝተደለየ ለውጢ ክመፅ ከምዘይከኣለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሽርሒ ኢኮኖሚ ንምምካትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተገበአ ወሰኽ ዋጋ ከይፍጠር፥ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ምስ ዝምልከቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም፡፡

እዋኑ ፈተና ዝበፅሖን ፈታኒን ስለዝኾነ ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ትርፊ ጥራሕ ካብ ዝሓስቡ ሃገር ከድሕኑ ይግባእ ክብሉ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.