Fana: At a Speed of Life!

ሰብ መዚ ሰሜን ምዕራብ ናይጄሪያ ብሸፋቱ ተጨውዮም ዝፀንሑ 100 ኣዴታትን ህጻናትን ከም ዘፍትሑ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ መዚ ሰሜን ምዕራብ ናይጄሪያ ብሸፋቱ ተጨውዮም ዝጸንሑ 100 ኣዴታትን ህጻናትን ከም ዘፍትሑ ኣፍሊጦም።

እተን ኣዴታት መብዛሕትአን ቖልዑት ዘዕብያ ዝነበራ ምዃነን ክግለጽ እንከሎ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 8 ሰነ 2021 ካብ ግዝኣት ዛምፋራ ዝተጨወያ’የን ተባሂሉ።

ኣብቲ እዋን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር።

ምምሕዳር ግዝኣት ዛምፋራ፥ ዝኾነ ዓይነት ገንዘብ ከይተኽፍለ ክፍትሑ ከም ዝኽኣሉ ካብ ምግላፅ ወፃእ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን ተባሂሉ።

እተን ኣዴታትን ህጻናትን ናብ ስድራቤቶም ቅድሚ ምጽንባሮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዝግበር ተሓቢሩ ኣሎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.