Fana: At a Speed of Life!

ሰብ መዚ ፍልስጤም እስራኤል ዝለገሰትሎም ክታበት ኮቪድ 19 ተሓሲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ መዚ ፍልስጤም እስራኤል ዝለገሰትሎም ብውሕዱ 1 ሚልየን ዝኸውን ክታበት ኮቪድ 19 ተሓሲሞም።

እቶም ሰብ መዚ ፍልስጤም እቲ ክታበት ፒፋይዘር መዓልቱ ክሕለፍ ዝቐረበ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

እስራኤል ኣቐድም ኣቢላ ክታበት ምኽዛን ከምዘየድልያ ብምሕባር እቲ ክታበታት መደብ ክታበት ፍልስጤም ንምቅልጣፍ ክውዕል ከምዝኽእል ብምሕባር ፍልስጤም ኸኣ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብ ፒፋይዘር ክታበት ምስ ተቐበለት ተመሳሳሊ ብዝሒ ክታበታት ንእስራኤል ክትህባ ዝብል ሓሳብ ምቕራባ ይዝከር።

ሚኒስተር ጥዕና ፍልስጤም ማይ ኣልካያላ፡ እቲ እስራኤል ንፍልስጤም ክትህቦ ትሓስብ ዘላ ክታብት ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን መዓልቶም ከምዘሕልፉ ሓበሬታ ከምዘለዎም’ዩ ዝገልጽ።

“ሕጂ ተቐቢልና መዓልቶም ከየሕለፉ ክንውድኦም ስለዘይንኽእል ኢና ነቲ ሕቶ ናይ እስራኤል ነጺግናዮ” ኢሉ።

እስረኤል ነዚ ኣምልኪታ ዝሃበቶ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.