Fana: At a Speed of Life!

ሱዳንን ግብፂን ወታደራዊ ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳንን ግብፂን ወታደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ትማሊ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሱዳን ሙሓመድ ኣልሑሴንን ናይ ግብፂ መዘነኦም ሞሓመድ ፋሪድን ኢዮም ኣብ ካርቱም ተራኺቦም ኣብ ስምምዕነት በፂሖም ዘለዉ፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፥ ክልቲአን ሃገራት ስግኣት ብሄራዊ ድሕንነት ከምዘንፀላለወንን ገሊፆም፡፡

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሱዳን ሙሓመድ ኣልሑሴን፥ እቲ ስምምዕነት ካብ ጉዳይ ብሄራዊ ድሕንነት ብዝዘለለ ልምዲ ዘለዎ ጦር ሰራዊት ንምህናፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ግብፂ ንሱዳን ትገብሮ ሓገዝ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ናይ ግብፂ ሞሓመድ ፋሪድን ብግደኦም፥ ሃገሮም ብኩለመዳይ ዓውዲታት ምስ ሱዳን ብምትሕብባር ንምግባር ከምዝሃቀነት ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት ወታደራዊን ድሕንነትን ዘለዋ ርክብ ከምተጠናኽር ኣብሪሆም፡፡

ፍልፍል፡- ሺንዋ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.