Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ብሳልሳይ ወገን ዝተዳለወላ መፃወዲያ ኲናት ገዲፋ እቲ ፀገም ብድርድር ንምፍታሕ ቆራፅ ክትከውን ኣለዋ – ጀነራል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ብሳልሳይ ወገን ዝተዳለወላ መፃወዲያ ኲናት ገዲፋ ፀገም ጉዳይ ዶብ ብድርድር ንምፍታሕ ቆራፅ ክትከውን ከምዝግባእ ኢታማዦር ሹምሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

እቶም ኢታማዦር ሹም፥ ህዝቢ ትግራይ ጁንታ ህወሓት ተመሊሱ ከምዝመፅእ ኣምሲሎም ባዶ ሕልሚ ብዝነዝሑ ኣካላት እንተይተደናገረ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል እናገበሮ ንዝርከብ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ እውን ኢሎም።

ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ዝበሉ፥ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፅንሒት ኢዩ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝገጥመን ውሽጣዊ ፀገም ዘይሰዓሮ ዘበናት ዘቑፀረ ምሕዝነት ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም። ሱዳን ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝገጠማ ፖለቲካዊ ፀገም ንሱዳናውያን እንተይጎድአ ብሰላም መዕልቦ ንኽረክብ ኣብ ምግባር፤ ግደ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛ ጁንታ ህወሓት ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ እናወሰደ ኣብ ዝነበሉ እዋን ጦር ሰራዊት ሱዳን ሉኣላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሱ ከምዝኣተወ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ እተን ሃገራት ብመንፅር ዘለወን ምሕዝነት እንትረአ፥ ካብ ሱዳን ትፅቢት ዘይግበረሉ መሕዘኒ ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ድሕሪት ጦር ሰራዊት ጥሒስካ ምእታው፥ ኣብ ምትእጉጓል ህንፀትን ድርድር ግድብ ህዳሰ ዝዓለመ ሳልሳይ ኣካል ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ሳልሳይ ኣካል፥ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዃና፤ ሱዳን ድማ ኣብ ስግግር ፖለቲካ ስለትርከብ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝተጠቐመ ኢዮም ጀነራል ብርሃኑ ዝሓበሩ።

ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠሪ ፀገማት ሓደሽቲ ዘይምዃኖምን ብሰላም ክፍትሑ ከምዝፀንሑን ዘዘኻኸሩ ጀነራል ብርሃኑ፥ ናይ ሐዚ ግን ኢድ ሳልሳይ ወገን ስለዘለዎ እቲ ፀገም ጎሊሁ ወፂኡ ኣሎ ኢሎም።

ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ብሰላም ምፍታሕ እንበር ምስ ፈታዊት ሃገረ ሱዳን ኲናት ምጅማር ከምዘይትደሊ ገሊፆም።

ሱዳን እውን ብሳልሳይ ወገን ካብ ዝተደገሰላ መፃወዲያ ኲናት ብምውፃእ ብድርድር ንምፍታሕ ቁርፀኛ ክትከውን ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ቀረባ እውን እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ብብርኪ ወተሃደራዊ ትካላት ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ንምግባር ቆፀሮ ከመዝተትሓዘ ተዛሮቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ መተከል ዝተጀመረ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ፥ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ ሽፍታ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሓቢሮም።

እቲ ሽፍታ ምስ ዘለዎ ባህሪ እቲ ምንቅስቓስ ዝዕገት ትካላት ፀፅታ ምስ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ጎድኒ ንጎድኒ ጠንካራ መነግስታዊ መሓውርን ውዳበታት ህዝብን ብምፍጣር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ነዚ ተሓሳቢ ዝገበረ መንግስታዊ ኣወዳድባን እቲ ማሕበረሰብ ከባቢኡ ንክሕሊ ዝግበር ኣሰራርሓን ይዝርጋሕ ኣሎ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ብዙሓት ኣባላት እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተደምሰሱ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተሓብኡ ዝተረፉ ተደለይቲ ኣባላት እቲ ጁንታ ምስ ምህዳን ጎድኒ ንጎድኒ እቲ እቲ ክልል መሊስካ ብምውዳብ ልዑል ሓገዝ ይገበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ካብ ሰራዊት መክልኻል ሃገርን ካልኦት ትካላት ፌዴራልን ዝተውፃእፅኡ ኣስታት 1 ሺሕ ዝኾኑ ኣባላት ዘለውዎ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ ቀበሌ ንክባፃሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ አውን ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ዘለወሉ ኩነታት እቲ ጁንታ ተመሊሱ ከምዝመፅእ ኣምሲሎም ባዶ ሕልሚ ብምንዛሕ ህዝቢ ንምድንጋር ዝፍትኑ ኣካላት ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።

እቲ ጁንታ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትሑት ወተሃደራዊ ኣወዳድባ እኳ ንከይህልዎ ብምግባር ብምድምሳሱ ምኽኒያት ክውደብ ይትረፍ ኣመራርሕኡ በቢታብኡ ተበታቲኖም ይተሓዙ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ሀዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብ ትሕቲ ህወሓት ተጎሳቒሉ ነቢሩ ኢዩ፤ እዚ ዘመነ ስቓይ ተመሊሱ ንክመፅእ አውን ኣይደሊን ኢሎም ጀነራል ብርሃኑ።

ህዝቢ ትግራይ ንግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.