Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ኣብ ግዝኣት ዳርፉር ተወሰኽቲ ወታደራት ከምተስፍር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳንተወሰኽቲ ወታደራት ኣብ ግዝኣት ዳርፉር ከምተስፍር ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣፍሊጦም።

ብቕድሚ ትማሊ ኣብቲ ከባቢ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ብዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ 60 ንፁሃን ዜጋታት ንሕልፈት ተቓሊዐም ኢዮም።

ቅድም ክብል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ እውን ልዕሊ 20 ሰባት ህይወቶም ከምዘሓለፈ ይዝከር።

ነዙይ ስዒቡ ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕንነት ነበርቲ እቲ ከባቢ ንምሕላው ብዝብል ተወሰኽቲ ወታደራት ከምዘስፍር ኣፍሊጡ።

ኣብ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ንዘተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ሓላፍነቱ ዝወሰደ ኣካል ኣየሃሉ እምበር፥ መንግስቲ ሱዳን ግና ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከም ዝፈፀሙዎ ገሊፁ ኣዩ።

ኣብ ዳርፉር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2003 ጀሚሩ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይዝረብ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.