Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ሽማ ንምሕኻኽ ንኣመሪካውያን ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ሽማ ንምሕኻኽ ንምውፃእ ንቤተሰብ ናይቶም ኣብ የመን ዝተቐተሉ ኣሜሪካውያን ባሕረኛታት ካሕሳ ክትከፍል ተሰማሚዓ።

እቶም 17 ኣመሪካውያን ባሕረኛታት ኣብ ሓንቲ የመናዊት ወድብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2000 ዓ.ም. እዮም ኣብ መርከቦም ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።

ስለዝኾነ እቲ ሱዳን እትኸፍሎ ካሕሳ፥ እታ ሃገር ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንክትወፅእ ብኣመሪካ ዝቐረበላ ቀንዲ ቅድመ ኩነት እዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ እታ ሃገር ክንደይ ዝኣከል ገንዘብ ከምእትኸፍል ኣይተገለፀን።

ነቲ ኣብታ ወተሃደራዊት መርከብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልቃዒዳ ሓላፍነት ዝወሰደ እንትኸውን፥ ኣመሪካ ግን እቶም ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃእቲ ዝፈፀሙ ክልተ ዕጡቓት ኣብ ሱዳን ስለዝሰልጠኑ ንሱዳን ተሓታቲት ከምዝገበረት ይዝከር።

ሱዳን  ነቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ነፂጋቶ ነይራ ኢያ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ሱዳን ካብ መዝገብ ሃገራት ፈጠርቲ ራዕዲ ክሕከኽ ሓቲቶም።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተሳለጠ መበል 33 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እታ ሃገር የጓንፍዋ ካብ ዘለዉ ብድሆታት ቀልጢፋ ክትወፅእ ምእንቲ ዓለም-ለኸ ሓገዝ የድልያ እዩ ምባሎም ይዝከር።

ነዚ ድማ ሱዳን ካብቲ መዝገብ ዝርዝር ግብረ-ሽበራ ሽማ እንድሕር ተሓኺኹ፥ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት ሃገራት እቲ ዘድሊ ዓለም ለኻዊ ድጋፍ ኣብ ምትሕብባር ክነጥፈ የኽእሎ እዩ ኢሎም ነይሮም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.