Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ብምውራር ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ንሓደጋ ኣሳጢሓ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቦ መንበር ኢጋድ ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ብምውራር ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ንሓደጋ ኣብ ዘሳጥሕ ተግባር ምውፋር ዘሕዝን ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ሱዳን ኣቦ መንበር ኢጋድ እኳ እንተኾነት መሬት ኢትዮጵያ ወሪራ፣ ሰለማዊ ዜጋታት ኣመዛቢላ ሐዚእውን ተወሳኺ መሬት ንምውራር ትንኮሳ ኲናት ትገብር ኣላ ኢሉ።

ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ትግራይ ሕጊ ኣብ ምኽባር እንትዋፈር ካብ ዝወረረቶ መሬት ኢትዮጵያ ሰራዊታ ክተውፅእን ናብ ናይ ባዕላ ክትምለስን ፅዕንቶ ንክገብር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1972 ዓ.ም ብመሰረት ዝተገበረ ልውውጥ ማስታወሻ እቲ ኣፈላላይ ዶብ ብጎንፂ መፍትሒ መገዲታት መፍትሒ ንምሃብ ድልውቲ ከምዝኾነት እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.