Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን 1 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክትሸጠላ ንኢትዮጵያ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ ፣  29 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን 1 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክትሸጠላ ንኢትዮጵያ ሓቲታ።

ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬት ፕላኒንግ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ  ኣይተ ኣንዱዓለም ሲዓ፥ ሱዳን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ንምግዛእ ድልየት ከምዘለወን ገሊፆም።

ቅድም ክብል ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያን ጅቡቲን ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ንምግዛእ ደልየት ከምዘለወን ብምግላፀን ድርድር ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሱዳን 1 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክትሸጠላ ንኢትዮጵያ ሓቲታ ኢሎም።

ስለዝኾነ መስ ሰብ ሞያ እታ ሃገር ምዝርራብ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ንኬኒያ ኣቕርቦት ሓይሊ ዘገልግል 500 ኪሎ ዋት ምሽካም ዝኽእል መተሓላለፊ መስመር ዘርገሐ ይዛዘም ከምዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ኣንዱኣለም፥ ተወከልቲ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኣብቲ ጉዳይ ዘተ ከምዝገብሩ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ካብ ኬንያ ብተወሳኺ ካብ ታንዛኒያ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪካ 2 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዝርጋሕ ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ከምዝዘርገሐት ተዛሪቦም።

ሶማሌላንድ እውን ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ንምርካብ ንኽትክእል ብደገፍ ባንኪ ዓለም ኢስት ኣፍሪካ ፖወር ፖሊሲ ምስ ዝበሃል ትካል ብምዃን መፅናዕቲ ይግበር ኣሎ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.