Fana: At a Speed of Life!

ሳልሳይ ዓሌት ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19 ምርኣይ ከምዝጀመረ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዴልታ ዝተብሃለ ዓሌት ለበዳ ኮቪድ19 ቫይረስ ብልዑል ቅልጣፈ እናተስፋሕፈሐምምፅኡ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ፡፡

ከም ገለፃ እቲ ትካል ጅምር ሳልሳይ ዓሌት ኮቪድ19 እናተርኣየ ይርከብ፡፡

ንዘሓለፉ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ሰሙናት ድማ ኣብ ዓለም ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ብልዑል ኩነታት እናወሰኸ ምምፅኡ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓዱሽ ዓሌት ዴልታ ቫይረስ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 111 ሃገራት ብዘስግእ ኩነታት እናተዛመተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

መምርሒታት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ብግቡእ ዘይምትግባር፣ ብዝድለ ቅልጣፈ ክታበታት ተበፃሕቲ ዘይምዃኖም ከምኡ እውን እቶም ክታበታት ንዝተወለዐ ዓሌት ቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ትሑት ምዃን እቲ ቫይረስ ንኽስፋሕፋሕ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓዱሽ ዓሌት ለበዳ ቫይረስ፥ ኣብ ሩሲያ፣ ዩናይትድ ኪንግደምን ኢንዶኔዥያን ብልዑል ቅልጣፈ እናተስፋሕፈሐ ከምዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ምግላፁ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.