Fana: At a Speed of Life!

ሳንሼንግ ፋርማቲካል ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ኣብ መዓልቲ 24 ሺሕ ሊትሮ ሳኒታይዘር ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሳንሼንግ ፋርማቲካል ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞን ዱከም ኣብ መዓልቲ 24 ሺሕ ሊትሮ  ሳኒታይዘር ምፍራይ ጀሚሩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበበ ኣበባየሁ ኣብ ትዊተር ገፅ ከምዝፀሓፍዎ፥ ሳንሼንግ ፋርማቲካል ኣእዳውካ ብምፅራይ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዘኽእል ሳኒታይዘር ኣብ ምፍራይ ትኹረት ዝገበረ ሓዱሽ ክፍሊ ኸፊቱ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ 24 ሺሕ ሊትሮ  ሳኒታይዘር ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም።

እቲ ፋብሪካ ሳኒታይዘር ኣብ ምፍራይ ትኹረት ገይሩ ምስርሑ ብብርኪ ሃገር ዘሎ ድልየት ኣብ ምምላእ ግድኡ ክፃወት ኢዩ ኢሎም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.