Fana: At a Speed of Life!

ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ምህዞ ንምምዕባል ዘኽእል ምምሕያሽ ፖሊሲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ምህዞ ንምምዕባል ዘኽእል ስራሕቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ይስራሕ ምህላዉ ገሊፁ።

“ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንልምዓት” ብዝበል መሪሕ ቃል ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝቕኒ መዳርግቲ ኣካላት ዝሳተፍሉ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሓላፊት ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዶክተር ፀጋ ብርሃነ ከምዝበልኡ፥ ትግራይ ናብ ናይ ቀደም ልዕልነታ ዝምልስ ምህዞ ንምምዕባል ዘኽእል ስራሕቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ይስራሕ ኣሎ።

እቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ምስ ዓለም ለኻዊ ፎሮም ምሁራን ብምዃን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራድ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም፥ ተመክሮ ዕብየት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሃገሮም ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር፥ ሰርዓተ ምህዳር ብምምሕያሽ እቲ ዓውዲ ምምዕባል ከምዝከኣል ኣብቲ ዘቕረብዎ መፅናዕቲ ሓቢሮም።

ነዚ ንምግባር እስራኤል ኣድላዪ ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ድማ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.