Fana: At a Speed of Life!

ሴኔት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዝቐረበ ክሲ ብዕሊ ምክርኻር ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ(ሴኔት) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቐረበ ካብ መዚነቶም ክሳብ ምውራድ ዝበፅሕ ክሲ ብዕሊ ምክርኻር ጀሚሩ።

ታሕተዋይ ባይቶ ኣመሪካ፥ ነተን ንፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣኖም ንምእላይ ዘቕረበን ክልተ ክስታት ናብ ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰኔት) ትማሊ ምርካቡ ይዝከር።

እቲ ትማሊ ዝሓለፈ ውሳነ ናይ 228 ኣባላት ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ደገፍ ክረክብ እንከሎ፥ 193 ሪፓብሊካውያን ተቓዊሞሞ ኢዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ይህ ክስ የቀረበባቸውም እ.ኤ.አ በ2020 በሚደረገው የአገሪቱ የፕሬዝዳንት ምርጫ ተገቢ ያልሆነ ተፅዕኖ ለመፍጠር ያለአግባብ ስልጣናቸውን ተጠቅመዋል እንዲሁም በወቅቱ ጉዳዩን የመረመረው የአገሪቱ ምክር ቤትን ስራ አደናቅፈዋል በሚል ነው፡፡

እቲ ቀንዲ ትሕቶ ክሲ፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንስም ናይቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ቀንዲ መቀናቕንቶም ክኸውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኣባል ዴሞክራሲ ጆ ባይደን ንምፅላም ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ፀቕጢ ጌሮምን ነታ ሃገር ዝወሃብ ወታሃደራዊ ሓገዝ’ውን ዓጊቶምን ኢዮም ዝብል’ዩ።

እቲ ካልኣይ ክሲ ድማ፥ ባይቶ ነቲ ቀዳማይ ክሲ ንምፅራይ መርመራ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እቶም ፕሬዚዳንት ከዕንቅፉ ፈቲኖም ዝብል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መበገሲ ናይቲ ጉዳይ፥ ወዶም ንምክትል ፕሬዚዳንት ነበር ጆ ባይደን ኣብ ሓደ ናይ ዩክሬን ኩባንያ ናይ ስራሕ ቦታ ምርካቡ ዩክሬን ናይ ብልሽውና መርመራ ከተካይደሉ እንተዘይኮይኑ ግን ነቲ ወታሃደራዊ ደገፍ ከም ዘይትረክብ ዘስምዕ ዘረባ ትራምፕ  ንፕሬዚዳንት ዩክሬን ምዝራቦም ‘ዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቶም ፕሬዚዳንት ዝቐረበ ክሲ ምርኣይ ጀሚሩ ዘሎ ሴኔት ኣሜሪካ፥ ኣብ መወዳእታ በይን ዝህብ ዳኛ ቤት ፍርዲ ቃለ ማሕላ ክፍፅም ገይሩ ኣሎ።

እቶም ፕሬዚዳንት ዝተኸሰሱሉ ዘርዝር ጉዳይ ዓንቀፅ ብምርቋሕ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተነቢቡ ኣሎ።

እቶም ፕሬዚዳንት ካብ ዘለዎም መዚነት ክለዓሉ እንተደኣኮይኖም 67 ሚኢታዊ ድምፂ ኣባላት ሴኔት ኣብቲ ስነስርዓት ምሃብ ግድን ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.