Fana: At a Speed of Life!

ሴኔጋላዊው ሳዲዮ ማኔ ብሉፅ ኣፍሪካ ተፃዋቲ ኩዕሾ እግሪ እዚ ዓመት ተባሂሉ ብካፍ ተመሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15፣ ሓምለ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ነበር ተፃዋቲ ጋንታ ሊቨርፑልን ናይሕዚ ሓዱሽ ፈራሚ ጋንታ ባየር ሙኑክን ሴኔጋላዊው ሳዲዮ ማኔ ብሉፅ ኣፍሪካ ተፃዋቲ ኩዕሾ እግሪ እዚ ዓመት ተባሂሉ ብካፍ ተመሪፁ።

ሳዲዮ ማኔ ኣብ ጋንትኡ ሊቨርፑል ውፅኢታዊ ዓመተ ውድድር ካብ ምሕላፉ ብተወሳኺ፥ ሃገሩ ሴኔጋል ሻምፒዮን ፅዋዕ ኣፍሪካ ንኽትከውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ብምግባሩ ኢዩ ብሉፅ ተፃዋቲ 2022 ብምዃን ተመሪፁ ዘሎ፡፡

ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፥ ካብ ሳዲዮ ማኔ ብተወሳኺ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ፈጋንታ ሴኔጋል ኣሊዮ ሲሴ ብሉፅ ኣሰልጣኒ እዚ ዓመት ተባሂሉ ብካፍ ተሸሊሙ፡፡

ሃገራዊት ፈጋንታ ሴኔጋል ብልፅቲ ሃገራዊት ጋንታ፣ ዋይዳድ ካዛብላንካ ብልፅቲ ኣፍሪካዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ከምኡ እውን ማሜሎዲ ሰንዳውንስ ብልፅቲ ኣፍሪካዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂለን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.