Fana: At a Speed of Life!

ስልጠና ተሃድሶ ዝተውሃቦም ኣባላት ፖሊስ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ክዋፈሩ ከምዝተገበረ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ናይ ሓፂር እዋን ስልጠና ተሃድሶ ዝተውሃቦም ኣባላት ፖሊስ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ህዝቢ ከገልግሉ ክዋፈሩ ከምዝገበሮም ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።
ዝተኻየደ ወፍሪምኽባር ሕጊ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ሰላምን ምርግጋዕን ንኸዓስል፣ ትካላት ፀፅታ እቲ ክልል ንምውዳብን ዝተረፉ ኣመራርሓታት እቲ ጁንታ ሃዲንካ ናብ ፍርዲ ንምቕራብን እናሰርሐ ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ንግዜኢ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣብሪሁ።
ስለ ዝኾነ ድማ ህዝቢ ብሰላምን ብፍትሒን ንምዕጋ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ተወለድቲ እቲ ክልል ልኡኽቶኦም ብብቕዓት ንኽዋፅኡ ስልጠና ተሃድሶ ብመሃብ ወፍሪ ከምዝተውሃቦም ገሊፁ።
ተዛረብቲ ቋንቋ መኽፈቲ ኣፍ እቲ ክልል ኣባላት ፖሊስ ኣሰልጢንካ ናብቲ ክልል ምውፋር፥ ሕብረተሰብ ዘጋጠሙዎ ፀገማት ብቕልጡፍ ንምፍታሕን ዝተበታተነ ጉጅለ ጥፍኣት ንምፅራግን እቲ ወፍሪ እዋኑ ዘሓለወ ኢዩ ኢሉ እቲ ኮሚሽን።
ብሓሶት ፕሮፓጋንዳ እቲ ጁንታ ዝተጎድአ ህዝቢ ብዘተኣማምን ደረጃ ናብ ንቡር ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ መንቅስቓሱ ንኽምለስ፥ እቶም ኣባላት ፖሊስ ልኡኽቶኦም ብጥንቃቐን ትኹረት ብዝተመልኦ ኣግባብን ንኽዋፅኡ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም እውን እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.