Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልጽግና ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስሩዕ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልጽግና ይካየድ ኣሎ።

እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ፥ 1ይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ብዘቐመጦ ኣንፈታትን ውሳነታትን ምስ ኣባላት እቲ ሊግ በቢብርኩ ዝተገበረ ልዝብ ኣፈፃፅምኡ ከምዝግምግም ተገሊፁ፡፡

“ምግቤን ካብ ገደናይ፤ ጥዕናይ ካብ ምግበይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ሕርሻ ከተማ ብርኪ ኣፈፃፅምኡ ናይ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ፀብፃብ ቀሪቡ ልዝብ ክግበረሉ ኢ ተባሂሉ፡፡

ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ጉባኤኡ ከምዝገብርን ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዝቐርቡ ሰነዳት ምዝታይ እውን ናይ ሎሚ መዓልቲ ዛዕባ እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ናብቲ ጉባኤ ዝቐርብ ሰነድ ዝተሰናደአ እንትኸውን፥ እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ መመሓየሺ ሓሳባት ብምውሳኽ ናብ ቅድመ ጉባኤ ልዝባታ ንኅቐርብ ውሳነ ሓሳብ ከምዝቐርብ ትፅቢት ከምዘሎ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.