Fana: At a Speed of Life!

ስርቆት ነዳዲን ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል ዘመናዊ  ኣሰራርሓ ዕላዊ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስርቆት ነዳዲን ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል ዘመናዊ ኣሰራርሓ ዕላዊ ከምዝግበር ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኣቕርቦት ነዳዲን ስርዓት ምክፍፋልን ዘሎ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ዘኽእል መድረኽ ዘተ ምስ ሚኒስቴር ነዳዲን ማእድንን፣ ምምሕዳር ክልላትን ከተማታትን፣ ሓለፍቲ ቢሮ ንግዲን ኢንዱስትሪን ማእድንን ነዳድን ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኣቕርቦትን ምጉዕዓዝን ነዳዲ ዘሎዉ ፀገማት ንምቕራፍ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ነዚ እውን ኣብ ከተማታት መዐደሊ ነዳዲ ዘይተሃነፀሉ ቦታታት ብሰብ ሃፍቲ ክህነፁ ብምግባር ስርዓት ዕዳጋ ዘመናዊ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ነዳዲ ኣብ ዘጎዓዕዛ ቦቲ ዝዓይነተን ተሽከርከርቲ ጂ.ፒ.ኤስን ካልኦት ዘመናዊ ቴክኖሎጂታትን ብምግጣም ጥቡቕ ስርዓት ክትትል ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

በዚ ኣቢልካ ኣብ ነዳዲ ዘጋጥም ስርቆት፣ ብኽነትን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት መሊስካ ምልኣኽን ዝብሉ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ዘመናዊ ኣሰራርሓ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.