Fana: At a Speed of Life!

ስብርባር ሮኬት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ እንተወዲቑ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ?

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ቁፅፅር ወፃእ ዝኾነ ስብርባር ሮኬት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ እንተወዲቑ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ?

እቲ 5 ቢ ዝተብሃለ ሮኬት ካብ ቁፅፅር ወፃእ ካብ ዝኾነላ 21 ሚያዚያ ጀሚሩ ናብ መሬት ንምውዳቕ ኣብ ኣየር ይዛውን ከምዘሎ ኢንስቲትዩት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፥ እቲ ስብርባር ሮኬት ካብ ቁፅፅር ወፃእ ዝኾነሉ ምኽኒያት ክሳብ ሐዚ ዝተማለአ ቴክኒካዊ መብርሂ የለን።

ይኹን እንበር ምናልባት እቲ ሮኬት ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ ብራኸ ንክወፅእን ካብ ዝተለመደ ቅልጣፈ ንላዕሊ ንክሕንበብን ብምግባሩ  ኢዩ ዝብሉ ግምታት ኣለዉ።

ስለዝኾነ ስብርባሪ ሎንግ ማርች ሮኬት ኣብ ኢትዮጵያ እንተወዲቑ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ጥንቃቐ ክውሰድ ኣለዎ?

እቲ ስብርባር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምውዳቕ ዕድል ኣለዎ የብሉን ንዝብል ብርግፀኝነት ምዝራብ ምዝራብ ዝከኣል እቲ ሮኬት ምዝዋኑ ደው ኣቢሉ ናብ ከባቢ ኣየር ምእታውን ናብ መሬት ምሕምባብን ካብ ዝጅምረሉ ቅፅበት ኣትሒዙ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብታ ቅፅበት ጀሚራ ኣብ መሬት ንምዕላብ ሰዓታት ስለ ዝህልዎ፥ እቲ ቦታ ዝፍለጥ ኢዩ ዝኸውን።

ስለዝኾነ ብእግሪ ይኹን ብተሽከርከርቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ደው ምባል፣ ፅኑዕ ሽፋን ኣብ ዘለዎ ከባቢ/ቦታ ምዃን፣ ኣብ ስራሕ ቦታ ድማ ሄልሜት ምግባር ከመዝግባእ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.