Fana: At a Speed of Life!

ስትራቴጂ ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስትራቴጂ ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት ኢትዮጵያ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ዕላዊ ገይረንኦ።

እቲ ስትራቴጂ ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ንምምሕያሽን ኩለመዳይ ልምዓት ንምርግጋፅን ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ትትግብሮም ስጉምቲታት ብዝርዝር ዘቐምጥ ምዃኑ ገሊፀን።

ግልጋሎት ሞተር ኣልቦ ትራንስፖርት፥ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኽንቀሳቐስ ዘኽእል፣ ንኹሉ ተበፃሒ ዝኾነ፣ ናብ ብዙሓት ትራንስፖርት ብቐሊሉ ተበፃሕቲ ንኽኾኑ ዝገብርን ጥዕና ማሕበረሰብ ንኽሕሎን ናይ ባዓሉ ግደ ዘበርክት ዘፈር ትራንስፖርት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እተን ሚኒስትር እቲ ስትራቴጂ ዕዉት ንኽኸውን ኣስተዋጽኦ ንዝገበሩ ትካላት ምስጋና ምቕራበን ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.