Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ኣብ መቐለ ቤተክርስትያን ማርያም ፅዮን ተፈፂሙ

አዲስ አበባ ፣ ነሀሴ 24 ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ-ርዓት ቀብሪ ነብስሄር ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ሎሚመዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መቐለ ዓዲ ሹምድሑን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ማርያም ፅዮን ተፈፂሙ።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ዝነበረ እንትኸውን፤ ብዝሓደሮ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታልን ጥቁር ኣንበሳ እስፔሻላይዝድ ሆስፒታልን ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ 23 ነሓሰ 2012ዓ.ም ኣብ መበል 33 ዓመቱ ዓሪፉ እዩ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ፣ ኣባላት ድምፂ ወያነ ትግራይ፣ መሓዙቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣስከሬን መንእሰይ ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ብኽብሪ ኣቀባብላ ተገይሩሉ መቐለ ዓዲ ሹምድሑን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ማርያም ፅዮን ስነ-ስርዓት ቀብሩ ተፈፂሙ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ካብ ኣብኡ ኣይተ ወልዱ ኣፅብሃን ኣዲኡ ወይዘሮ እህታለም ደመናን 2 መስከረም 1979 ዓ.ም ኣብ ከተማ ወልድያ ተወሊዱ።

ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ከተማ ወልድያ ምስ ፀንሐ ምስ ቤተሰቡ ናብ ከተማ መቐለ ብምምፃእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ተማሂሩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ድማ ብጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽንን ብቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ።

ኣብ 2001 ዓ.ም ናብ ዓውዲ ስራሕ ጋዜጠኛኝነት ዝተፀምበረ ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ፥ መጀመርያ ኣብ ጋዜጣ ወይን፣ ብምቕፃል ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይን ኣብ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ብምግልጋል ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ኣብ ቴለሌቪዥን ድምፂ ወያነ ትግራይ ብሞይኡ እናገልገለ ፀኒሑ ኢዩ።

ፉና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ብሃንደበታዊ ሕልፈት ህይወት ጋዜጠኛ ፍቅሩ ወልዱ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ፥ ንመላእ ስድራኡ፣ ፈተውቱ፣ መሓዙቱን መሳርሕቱን ፅንዓት ይሃብኩም ይብል!

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.