Fana: At a Speed of Life!

ስጉምቲ ፀረ መጥቃዕቲ ጥምር ጦር ወገን መንጋ  ወራሪ መእተዊን መውፅእን የስእኖ ኣሎ-ኣገልግሎት  ኮሙኒኬሽን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)  ጀግና መከላከያ ሠራዊት ፌዴሪኢ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፋኖን ኣብ ወሎ ግንባር ኣብ ወረባቦ፣ ተሁለደሬ፣ ኩታበርን ደላንታን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ፀረ መጥቃዕቲ መንጋ  ወራሪ መእተዊን መውፅእን ከምዘስኣንዎን ልጩል ኪሳራ ከምዘብፅሑሉን ኣገልግሎት  ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት  ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣማሲዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ፀላኢ ኣብ ከባቢታት ወረባቦ፣ ተሁለደሬ፣ ኩታበርን ደላንታን ዘሰለፎ ሓይሊ ምዉትን ቁሱሉን ኮይኑ ኢሉ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ እውን ይሃድሙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ፀላኢ ዘሰለፎ መንጋ ሒዙዎ ዝመፅአ ኣፅዋር ፍረቁ እንትማረኽ ዝተረፈድማ ካብ ረባሓወፃእ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሓይሊ ፀፅታና ኣብ ልዕሊ መንጋ ራዕዲ የብፅሖ ብዘሎ ልዑል ኪሳራ ብምህዳም በቢገደሉ፣ ሩባታትን ኣፃድፍን እናተሽሎኽለኸ ዝግነ ዝተበታተነ መንጋ ጁንታ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶትን ሚሊሻን ተወዲቦም ብምክትታል፣ ደጀንነት ሃገር ከጠናኽር ይግባእ ኢሉ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ጎኒ መከላከያ ሠራዊት ደው ዝበሉ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ፋኖን ሚሊሻን ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምዃን ዝፍፅምዎ ዘለዉ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ተጋድሎ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ ኣገልግሎት  ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.