Fana: At a Speed of Life!

ሶማሊያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ኣምባሳደር ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ አብዲሃኪም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሶማሊያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ኣምባሳደር ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዲሃኪም ዓብዱላሂ ዖማር ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኣፍሪካ ተስፋ ዝተሓንገጠ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ግድብ ህዝቢታት እቲ ዞባ ብኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ንኽተኣሳሰሩ ምኽንያት ክኸውን እናተቓረበ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ቀዳማይ ብርኪ ምልኢት ማይ እቲ ግድብ እዋኑ ዝሓለወን ተቐባልነት ዘለዎን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ምልኢቱ ኣብ ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ዘስዕቦ ዝኾነ ይኹን ፅእንቶ ከምዘየለ ኣገንዚቦም።

ሃገሮም ሶማሊያ ኢትዮጵያ መሰል ምጥቃም ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ከምተኽብር እውን ገሊፆም።

ብመንፅር እዚ ድማ ሶማሊያ፥ ረብሓ ኢትዮጵያን ረብሓ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካን ኢሉ እውን ረብሓ ኣፍሪካ ብዝፅፃረር መልክዑ ኣባል ሃገራት ሊግ ዓረብን ግብፂን ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዘመሓላላፈኦ ውሳነ ውድቂ ከምዝገበረቶ ኣገንዚቦም።

ሶማሊያ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ንቅዋም ኢትዮጵያ ምድጋፋ፥ ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ምእላሽ ዝብል ኣካይዳ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሃገራት እቲ ከባቢ ካብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ከምዝኾና ዝገለፁ ኣምባሳደር አብዲሃኪም፥ ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ሒዛቶ ዘላ ቅዋም ፍትሓዊ ተረባሕነትን ዘየረጋግፅን ንጎንፂ ዝዕድምን ኢዩ ኢሎም።

ሃገሮም ሶማሊያ ረብሓኣ ብምርኣይ ውሳነን ቅዋምን ሊግ ዓረብ ከምዝተቓወመት ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.