Fana: At a Speed of Life!

ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣብ ልዕሊ ንፅሃን መጥቓዕቲ ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ዳራ ጉንዶ መስቀል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ምምሕዳር እቲ ዞባን ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣብርሃም ብርሃኑ  ንፋና  ብሮድካስቲንግ  ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ÷ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብመንግስቲ ዝተዋደደ መጥቓዕቲ  እናተኻየደ  ከምዝኾነን እቲ ጉጅለ ተስፋ ብምቑራፅ ካብ ዝዓረደሉ ጫካ እናሃደመ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ሸኔ ንህዝቢ ኦሮሞ ክቓለስ እየ እንተበለዉን ኦሮሞ እናቐተለን እቲ ሃፍቲቲ እናዕነወን ይርከብ ዝበሉ እቶም ሓላፊ÷ መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ምብትታን ይርከብ ኢሎም፡፡

ትማሊ ምሽት ኣብቲ ዞባ ወረዳ ኢዳቡ ኦቦቴ ከባቢ ስጉምቲ እናተወስደሉ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናብ ደራ ጉንዶ  ወረዳ መስቀል ብምህዳም ቑፅሮም ዘይተፈለጡ ንፁሃን ነናብ ገዝኦም ብምእታዉ ከምዝቐተሎም ኣብሪሆም፡፡

እቲ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ክሳድ ንምድናን ዝሰርሕ እዩ ዝበሉ  ኣይተ ኣብርሃም÷  ናይቲ ኸባቢ ማሕበረሰብን ሚሊሻን መእተዊ መዉፅኢ ከስእኖ ሓቲቶም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.