Fana: At a Speed of Life!

ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣውሮፓ 2020 ንሓደ ዓመት ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ዓመት ክካየድ ተሓሲቡሉ ዝነበረ ሻምፒዮና ፅዋዕ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ 2020 ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ተወሲኑ።

እቲ ሻምፒዮና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ሰነ 2020 ጀሚሩ ንሓደ ወርሒ ንኽካየድ መርሃግብሪ ወፂኡሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እተ ሻምፒዮና ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮፓ ብቴሌ ኮንፈረንስ ኣብ ዘሳለጦ ዘተ ምውኑ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኖርዌይ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ማለት እውን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ 2021 ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ምንዋሕ ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣውሮፓ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ንዝተናውሑ ናይ ውሽጢ ውድድራት መዛዘሚ ዕድመ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ምዃኑ እውን እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.