Fana: At a Speed of Life!

ሽመት ኣምባሳደራት ሙያዊ ብቕዓትን ሃገራዊ ለውጢን መሰረት ዝገበረ ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ትማሊ ንኣምባሳደራት ዝተውሃበ ሽመት ሙያዊ ብቕዓት እቶም ውልቀ ሰባት ከምኡ እውን ሃገራዊ ለውጢ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ካብ ሞንጎ ዘልዐሉዎም ጉዳያት ድማ ትማሊ ምሸት ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተውሃበ ሽመት 27 ኣምባሳደራት ብምልዓል መብርሂ ሂቦም።

“እቲ ሽመት ካብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተፈለየን መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረን ኢዩ” ኢሎም።

ብቐንዲ ድማ ሙያዊ ብቕዓትን ክእለትን እቶም ውልቀ ሰባትን ሃገራዊ ለውጢን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ስራሕን ሰራሕተኛን ብምምጥጣን ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ስራሕቲ ጉዳያት ወፃኢ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ ከምዝርከቡዎም ገሊፆም።

ካብ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ብምውሳድ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ሞያ ልምዲ ዘለዎም ውልቀሰባት ከምዝተኻተቱ እውን ተዛሪቦም።

ብምንይችል ኣዘዘው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.