Fana: At a Speed of Life!

ቀረብን ዝርገሐን ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዘተኣጓሉ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ በዓል መዚ ቁፅፅር ነዳዲን ኢነርጂን ኣጠንቂቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀረብን ዝርገሐን ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዘተኣጓሉ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ በዓል መዚ ቁፅፅር ነዳዲን ኢነርጂን ኣጠንቂቑ።

ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ትሽዓተ ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ውሽጢ ሃገር እናኣተወ ይኹን እምበር ናብ ተረባሕቲ ብእዋኑ እናበፅሐ ከምዘይኮነ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ስታንዳርድን መፅናዕቲን ነዳዲ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ለሜሳ ቱሉ፥ ነዳዲ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ቦቴታት ኣቕረብቲ ነዳዲ ኣብ መገዲ ናይ ምድንጓይ ፀገም ከምዘሎ ብምሕባር፤ ነዳዲ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ኣብመገዲ ዝድንጉያሉ ምኽንያት ድማ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ዋጋ ክውስኽ እዩ ብዝብል ዝተሰሓሓተ ኣተሓሳስባ ብሓዱሽ ዋጋ ትርፊ ንምትራፍ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ከምዚ ዓይነት ፃገም ካብ ምፍጣር ኣብ ዘይጥንቀቑ ኣቕረብቲ ነዳዲ መከፋፈሊ ነዳዲ ካብ ምዕሻግ ጀሚሩ ንግዲ ፍቓድ ክሳብ ምስራዝ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.