Fana: At a Speed of Life!

ቀረብ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ዝድግፍ መርሃ ግብሪ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ከምዝሓገዘ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀረብ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ዝድግፍ መርሃ ግብሪ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ሓገዝ ከምዝገበረ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ኣኪንውሚ ኣዴሲና ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ 7 ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ብምኽንያት ጎንፂ ሩሲያን ዩክሬንን ብዙሓት ሃገራት ንፀገም ውሕስና ምግቢ ተቓሊዖም እዮም ኢሎም።

በዚ ድማ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪካ ግዳያት እቲ ጎንፂ ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ፕሬዝዳንት፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንኣፍሪካ ሓገዝ ምግቢ ምሃብ ዘይኮነስ ዕላማና ክንገብሮ ዘለና ኣብ ፍርያታምነት ምዕባይ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ሓረስቶት ኣድላዪ ቴክኖሎጂ እንተዝቐርበሎም ኣፍሪካ ናይ ምምጋብ ዓቕሚ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳት፤ ቴክኖሎጂ ንትራስፎርሜሽንን ሕርሻን ኣፍሪካ ብዝተበሃለ መርሃ ግብሪ ኣብ ክልተ ዓማውቲ ኩነታት ኣየር ምፅዋር ዝኽእል ምሩፅ ዘርኢ 12 ሚሊዮን ንዝኾኑ ሓረስቶት ኣፍሪካ ቀረብ ከምዝተገበረሎም ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንሓረስቶት ሙቐጥ ክፃወር ዝኽእል ምሩፅ ዘርኢ ስርናይ ስለዝተገበረ ኣ ውሽጢ ክልተ ዓማውቲ 675 ውሽጢ ሄክታር መሬት ምልማዕ ዝተኸኣለ እንትኸውን፤ ካብ ወፃኢ ዝኣትው ፍርያት ስርናይ ብ80 ሚኢታዊት ክንክይ ምኽኣሉ ዘርእይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.