Fana: At a Speed of Life!

ቀንዲ መገዲ ዕብየት ሕድሕድ ዕድልን ዓቕሚን ብዝግባእ ምጥቃም ምኽኣል ኢዩ-ኢ/ር ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ጉዕዞ ለውጢ ቀንዲ መገዲ ዕብየት ሕድሕድ ዕድልን ዓቕሚን ብዝግባእ ምጥቃም ምኽኣል ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ማዕድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዕሽሽ እንብሎን እነባኽኖን ሃገራዊ ሃፍቲ ኣይህሉን ኢሎም።

ሎሚ መዓልቲ ምስ ምስ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ አሸብር ባልቻን በምዃነ ኣብ ከባቢ ኣርሲ ኢተያ ዝርከብ ፕሮጀከት ቱሉ ሞዬ ጂኦተርማል መፈልፈሊ ሓይሊ ምንቅስቓስ ስራሕ ተዓዚቦም።

እተ ፕሮጀክት ኣብ ዝህልዎ ክልተ ምዕራፍ ህንፀት 150 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘፈልፈል ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ንሃገርና ተወሳኺ ሓይሊ ዝህብ እንትኸወን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከምዚ ዝበሉ ፕሮጀክቲታት ጂኦተርማል ንምጅማር መፅናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ኣሉቶ ላንጋኖ፣ ኮርቤቲን ተንዳሆን ዘለዉ ፕሮጀክቲታት ጂኦተርማል ብህፁፅ ንምዝዛም ጠንካራ ድጋፍ ክንገብር ኢና ኢሎም።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.