Fana: At a Speed of Life!

ቀዋሚ ኮሚት ጉዳያት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ መስኖን ኢነርጂን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዑደት የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዋሚ ኮሚት ጉዳያት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ መስኖን ኢነርጂን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት የካይድ ኣሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዑደት ከይዲ ኣፈፃፅማ ህንፀት እቲ ግድብ ተዘዋዊሩ ኣብ ምዕዛብ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕጀክት ግድብ ህዳሰ ኣይተ በላቸው ካሳ ነቲ ቀዋሚ ኮሚቴ መብርሂ ዝሃቡ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ማእኸላይ ኣፈፃፅማ ህንፀት እቲ ፕጀክት 70 ሚኢታዊ ምብፅሑ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ፥ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ ዩኒት 9ን 10 ሓይሊ ንምፍልፋል ዘኽእል ናይ ማይ ምዕቛ ስራሕ ከምዝሳለጥን ኣብ መወዳእታ 2013 ዓ.ም ድማ ክልቲኦም ዩኒታት ብድምሩ 750 ሜጋ ዋት ዝበፅሕ ሓይሊ ከምዘፍልፍሉን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.