Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ቱኒዝያ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘጋጠመ ብርቱዕ ተቓውሞ ካብ ሓላፍነቶም ተሰጕጎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ቱኒዝያ ከይስ ሰይድ፥ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብርቱዕ ተቓውሞ ምስ ተላዓለ ንቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ስራሕ ብምስጓግ ንባይቶ እታ ሃገር ከመዝኣገዱ ተገሊፁ።

ብኣተሓሕዛ ኮቪድ-19 መንግስቶም ዝተቆጥዑ ኣሽሓት ቱኒዝያውያን ትማሊ ናብ ፅርግያታት ዝተፈላላያ ከተማታት ብምውፃእ ተቓውሞኦም ኣብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ ምስ ፖሊስ ከመዝተጋጨዉ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ከይስ ሰይድ ንባይቶ ዝኣገድሉን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዝሰጎጎሉን ምኽንያት ንህዝቢ ኣብ ዝገልፁሉ ዝነበረ ግዜ፥ ዕላምኡ ነታ ሃገር ንምርግጋእን ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ብምምዛዝ ምስኦም ብምዃን እኹል ስጉምቲ ከም ዝወስዱን ሓቢሮም።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን ተግባሩ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ክብሉ ገሊፆሞ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.