Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓይሊ ፀላኢ ኢዱ ንኽህብ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢዶም ይህቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓይሊ ፀላኢ ኢዱ ንኽህብ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢዶም ይህቡ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ግምባር ኣቕኒዖም ጦር ወገን ንምምራሕ ካብ ዝጀመሩሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ግምባራት ዓወት እናተመዝገበን ሓይሊ ፀላኢ እናተበታተነን ይርከብ።

“ብወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ሓይሊ ወገን ዓወት ብዓወት እናደራረበ እንትግስግስ ብተፃራሪ ሓይሊ ፀላኢ በቢዓውደ ውግኡ ስዕረት እናበፅሖን እናተደምሰሰን ይርከብ።

ንኣብነት እውን ኣብ ግምባራት ጋሸና፣ ወረኢሉ፣ ጭፍራን ካልኦትን ጦር ወገን ብዝገበሮ ተጋድሎ ብዙሓት ከተማታት ካብቲ ወራሪ ናፃ ምውፃ ከምዝተኸኣለን እቲ ጉጅለ ልዑል ሰብኣዊን ናንዋታዊን ክሳራ በፂሑዎ እናሃደመ ይርከብ።

ካብ ምድምሳስ ዘተረፈ ሓይሊ እቲ ወራሪ ድማ እናተበታተነ እንትኸውን፥ ናይ ወገን ጦር በቢግምባሩ ዝተበታተነ ሓይሊ ፀላኢ ናይ ምልቃም ስራሕቲ ኣጠናኺ ቀፂሉ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ራእዩን ሽቱኡን ብዘይፍለጥ ኲናት እቲ ጁንታ ዘሰለፎም መናእሰይ ትግራይ ከም ቆፅሊ እናረገፉ ከምዝኾኑ ምግላፆም ይዝከር።

ስለዝኾነ እውን መናእሰይ ኣብ ዘይፈልጡዎ ራኢ ኣብ ዘይብሉን ኲናት ኣቲዮም ከይውድኡ እዶም ንሰራዊት ምክልኻልን ንሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ንኽህቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም።

ፃውዒት አቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ስዒቡ ድማ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዘሰለፎም ዕጡቓት ኢዶም ንሓይሊ ወገን እናሃቡ ይርከቡ።

ኢዶም ዝሃቡ ምሩኻት ብዘይፍላጥን ተደናጊሮም ናብ ውግእ ከምዝተሰለፉን ብምግላፅ እቲ ጉጅለ ብዝበፅሖ ስዕረት ኢድ ንመሃብ ከምዝተገደዱ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብስድራ ውላድ ኣምፅኡ እናተብሃሉ በቲ ግብረ ራዕዲ ተገዲዶም ይሰለፉ እምበር ክሳብ ሕዚ ብተግባሮም ተናሲሖም ይቕሬታ ሓቲቶም።

ኣቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዘጋውሖ ሓበሬታ ናይ ሕሶትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን እቲ ግብረ ራዕዲ ተሳዒሩ ኢዩ ኢሎም።

ብዙሓት መሓዙቶም ብኸንቱ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዝዛረቡ እቶም ምሩኻት፥ ንቶም ግን ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል ብመሃቦም ዕድለኛታት ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኢዶም ካብ ዝህቡ ጀሚሩ ብሰራዊት ምክልኻልን ሕብረተሰብን ንዝተገበረሎም ክንክን ኣመስጊኖም።

ካልኦት መናአሰይ ትግራይ እውን በቲ ግብረ ራዕዲ እናሰዓርና ኢና ብዝብል ብመራኸብቲ ሓፈሽ ዝንዛሕ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናተደናገሩ ንውግእ ከይስለፉ፣ ኣብ ውግእ ዝተሰለፉ እውን ኢዶም ንኽህቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.