Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ  በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ወልድያ ኣብ ዝርከቡ እዝታት ሰራዊት ምክልኻል ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመፅእ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ወልድያ ዝርከቡ እዝታት ሰራዊት ምክልኻል ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝመፅእ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ወልድያ ዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝታት ደቡብ፣ ምብራቕ፣ 6ይን 8ይን ዑደት ኣካይዶም።

ኣብ ከተማ ወልድያ ብዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ዑደት ካብ ኣባላት ሰራዊት ብዝሓለፈ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኡን ተረኺቦም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንኣባላት ሰራዊት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኢትዮጵያ ንኣሽሓት ዘመናት ክርስትናን እስልምናን ብፍቕሪ ዝነበሩላ ሃገር እያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፥ እዚ ፍልፍል ኩርዓትና እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዝዝረብ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝለምዕ መሬትን ዘልምዕ ህዝብን እውን ዘለዋ እያ ኢሎም።

ነዚ ዝተረዱኡ ፀላእትና ልምዓትና ንምትዕንቓፍ ሓድነትና ንምብልሻው እናሰርሑ ይርከቡ።

ንኢትዮጵያ ብፅልኢ ዓዊርካ ምስዓር ከምዘይከኣል ዘልዓሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብፍቕሪ ተለዓዒሉ መስዋእትነት ከፊልካ ኢትዮጵያ ምፅናዕ እዩ ዝከኣል ኢሎም።

ማሕለኻታትን ዘተዓናቕፉናን ዋላ እንተበዝሑ መዓልታዊ እናጠንከርና ክንከድ ኢና ኢሎም፡፡

ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዓንዲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.