Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ከተማ ማላቦ ኣትዮም።

ኣብ ናይጄሪያ ንክልተ መዓልታት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ናብታ ከተማ ኣምሪሖም።

ምስ ጉጅለ ልኡኾም ብምዃን ኣብ ፍሉይ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኢዮም ናብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ከተማ ማላቦ ኣትዮም።

ኣብ ፃንሒቶም፥ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ጉዳያት ፀረ ግብረ ራዕዲን ኢ-ሕገመንግስታዊ ብዝኾነ መገዲ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበሩ ፃዕሪታትን ምክልኻል ኣብ ዘድህብ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከተማ ማላቦ እንትበፅሑ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.