Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብመስኖ ዝለምዐ ስንዳይ ጎቢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብመስኖ ዝለምዐ ስንዳይ ጎቢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳን ሓዊሱ ካልኦት ሰብ መዚ መንግስቲ ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ 130 ሺህ ሄክታር መሬት ዝዘርአ ብመስኖ ዝለምዕ ዘሎ ስንዳይ ዕዉት ብዝኾነ ኩነታት ይለምዕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እዚ ኣብ 300 ሺህ ሄክታር ክፈፀም ናይ ዝተተለመ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝኣቲ ስንዳይ ብናይ ኣብ ውሸቲ ዓዲ ዝፈሪ ስንዳይ ንምትካእ ዘሎ ባህጊን ዓቕሚን ብተግባር ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.