Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዓውደ ርእይ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ኣብ ዝኾነ ዓውደ ርእይ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ ዑደት ኣካይዶም።

እቲ ዓውደ ርእይ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ኢንተርኮንቲኔንታል ምኽፋቱ ይዝከር።

ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ ወዲ ሰብ ብተፈጥሮን ዑደት ሀይወትን ዝረኸብዎም ናይ ምሕሳብ፣ ምግንዛብ፣ ምምዝዛን፣ ምትላም፣ ምኽኒያታዊ ምዃንን ብቛንቋ ናይ ምርድዳእን ተኽእሎ ብዝረቐቀ ቀመር ማሽናት ብምምሃር ዝተፈላለዩ ተግባራት ንኽፍፅማ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ነቲ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ግብርና፣ ፋይናንስ፣ ትራንስፖርት፣ ሚቲዮሮሎጂ፣ ኤሮስፔስን ካልኦት ዓውዲታትን ተግባራዊ ንምግባር እቲ ስራሕ ከምዝጀመረት ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን እቲ ማእኸል ኣይተ ተስፋዬ ዘውዴ ተዛሪቦም።

ዕላማ እቲ ዓውደ ረእይ ድማ እንታይነት ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ ብዝምልከት ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.