Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ግምባር ኮይኖም ዝመርሑዎ ወፍሪ ህልውና ልዑል ዓወት ይምዝገቦ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ግምባር ኮይኖም ዝመርሑዎ ወፍሪ ህልውና ልዑል ዓወት እናተመዝገቦ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።

ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ተሳትፎ ወፍሪ ህልውና ቀዳማይ  ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ኢትዮጵያን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

እቲ መግለፂ ዝሃባ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ሓላፊት ቋንቋታት ወፃኢን ዲጂታል ሚዲያን ቢልለኔ ስዩም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓድነት እታ ሃገር ንምሕላው ኣብ ግምባር ኮይኖም ኣመራርሓ እናሃቡ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘንፀላለወ ስግኣት ናይ ምምካት ተግባር ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ተታሒዞም ዝነበሩ ከባቢታት እናልቀቑ ከምዝኾኑ ኣላዒለን።

ብምዃኑ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣገዲዱ ዘሰለፎም መናእሰይ ትግራይ እቲ ኲናት እናተወድአ ከምዝኾነ ተገንዚቦም ንሓይሊታት ፀፅታ መንግስቲ ኢዶም ንኽህቡ ፃውዒት ከምዝቐረበ ኣፍሊጠን።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት፥ ብኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣቢሉ ንክልላት ኣምሓራ ዓፋርን ትግራይን ሓገዝ እናቐረበ ከምዝኾ ተዛሪበን።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሰባት ካብ መረበቶም ዘመዛበለ እንትኸውን፥ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ልዕሊ 100 ሺሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኢለን።

ብኻሊእ መዳይ ብሓደሓደ ኣካላት ብሕጋዊ መገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ንምልዋጥ ዝተፈላለዩ እኩይ ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እተን ሓላፊት ኣብሪሀን።

ኣብ መላእ እዛ ሃገር ፀገም ፀፅታ ከምዘሎ ኣምሲልካ ምቕራብ ናይዚ ሽርሒ ኣካል ከምዝኾነ ብምፅራሕ፥ እቲ ተግባር ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዝኸሓደን ሓላፍነት ዝጎደሎን ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ካብ ዝእወጅ ሰለስተ ሰሙን ዝኾኖ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብዙሓት ውፅኢታት ዝተረኸቡሉ ከምዝኾነ እተን ሓላፊት ኣብ መግለፂአን ኣፍሊጠን።

ትርፊ ፖለቲካ ንምርካብ ሉኣላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ዝንቀሳቐሱ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ኣካላት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲበን።

ፍልፍል፦ግዜኢ

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.