Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ዝካየድ መጥቃዕቲ ከምዝቕፅ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ዝካየድ መጥቃዕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅ ኣፍሊጦም።

ፍልስጤማውያን ኣብ መስጊድ ኣል ኣቅሳ ኣቲዮም ወሲዶምዎ ዝበሉዎ ስጉምቲ ስዒቡ ዝተጀመረ ጎንፂ፥ ህይት ብዙሓት ሰባት እናሓለፈን ጉድኣት ኣካል እናብፀሐን ይርከብ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብዘብፀሐቶ ደብዳብ ኣየር 33 ፍልስጤማውያን እንትቕጠሉ፥ ልዕሊ 10 ሰባት ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ጋዛ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ 180 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 52 ህፃናት ከምዝኾኑን ተሓቢሩ፡፡

ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት እውን ጉድኣት ኣካል ኣጋጢሙዎም፡፡

ብወገን እስራኤል ድማ ክልተ ህፃናት ሓዊሱ 10 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.