Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሃምዶክ ናይ ገዛ እሱር ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሃምዶክ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ወታደራዊ ሓይሊታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ገዝኦም ብምኽባብ ናይ ገዛ እሱር ከምዝገበሩዎም ኣል ሃዳድ ዝተብሃለ ጣቢያ ቴሌቪዥን ፀብፂቡ።

እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሃምዶክ ቅድሚ ምውሳዱ ኣማኻሪ ሚዲያ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጦር ሱዳንን ኣባል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ገዛኢ እታ ሃገርን ሓዊሱ ብዙሓት ሰብ መዚ ሲቪል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈሸለ ሽርሒ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘነበረ መንግስቲ ሱዳን ዕላዊ ምግባሩ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ወታደራዊን ሲቪል ዘሎ ቅርሕንቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተሓቢሩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምቁራፁ፥ እንታይ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

እስካሁን ድረስ በቁጥጥር ስር ከዋሉ ሚንስትሮች፣ የመንግስት ሀላፊዎች እና የፓርቲ መሪዎች መካከል ቀጥሎ የተጠቀሱት አሉበት ተብሏል

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ሞንጎ ዝወዓሉ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መራሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን፦

  1. ሚንስትር መራኸቢ ሓፋሽ ሃሺም ሃሰበኣልረሱል፣
  2. ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኢብራሂም ኣልሼክ፣
  3. ሚንስትር ሓበሬታ ሃምዛ በሉል፣
  4. ሓላፊ ሚንስትር ጉዳያት ካቢኒ ካሊድ ዩሱፍ፣
  5. ኣባል ኣመራርሓ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ስግግር መሓመድ ኣልፈኪ፣
  6. ኣቦ መንበር ፓርቲ ኮንግረስ ሱዳን ኡመር ኣደግበር፣
  7. ኣቦ መንበር ፓርቲ ትንሳኦ ዓረብ ዓሊ ኣልረያህ ኣልሰንሁሪ፣
  8. ከንቲባ ከተማ ካርቱም ኣይመን ኒሚር፣
  9. ኣቐባሊ ወያናይ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጃፈር ሓሰን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሓይሊ ጦር ሃሚቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣድለይቲ ቦታታት ንኽሕሉ ትእዛዝ ተዋሂቡዎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.