Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብ“ቴሌፎን” ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ሲሪል ራማፎሳ ዝመርሕዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴረኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተሳተፍሉ መድረኽ ዘተ ብ“ቴሌፎን” ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፥ መራሕቲ ሩዋንዳ፣ ሴኔጋል፣ ግብፂ፣ ዚምባብዌ፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኬንያን ተሳቲፎም።

ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ዳይሬክተር ጀኔራል ውድብ ጥዕና ዓለምን ዳይሬክተር ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣፍሪካን እውን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ፥ ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ኣፍሪካ ዘጋጠማ ፈተናን ዘድሃበ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ፌስ ቡክ ገፆም ገሊፆም።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ምውጋድ ሓበራዊ ኣመራርሓ ኣድላዪ ከምዝኾነ እቶም መራሕቲ ከምዝተስማዕምዑ እውን ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ “ምስ ዓለም ለኸ መሻርኽቲ ልምዓት ብምዃን ኢኮኖሚና ናይ ምርግጋዕ ስራሕ እንትንሰርሕ ዝተዋደደን ንኣህጉርና ዝጠቅምን ኣሰራርሓ የድሊየና ኢዩ” ኢሎም።

ኣብቲ ብቴሌፎን ዝተገበረ ዘተ ብምስታፍ ቁርፀኛ መሻርኽቲ ኣፍሪካ ኮይኖም ኢዮም ንዝበልዎም ፕሬዚዳንት ሃገረ ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን እውን አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.