Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ማንነት መሰረት ገይሩ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ማንነት መሰረት ገይሩ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ገሊፆም።

ፀላእቲ ኢትዮጵያ፤ “ወይ ንሕና ክንገዝእ ኢና፤ ወይ ሃገር ኣይትነብርን” ኢሎም ተላዒሎም ኢዮም። ነዚውን ናይ ጥፍኣት ዓቕሞም ኩሉ ይጥቀሙ ኣለዉ። ቀዳማይ ዒላመኦም ናይ ህዝቢ ሞራል ምስባር ኢዩ።

ነዚ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ስልቲ የማነ ፀጋም ዝፈልጡ ሰባት እናተኣኻኸቡ ብምስልጣንን ብምዕጣቕን ኣብከከባቢኡ ማንነት መሰረት ዝገበረ ኣረሜንያዊ መጥቃዕቲ ምብፃሕ ኢዩ። እዚ ተግባር ህዝቢ ንክደናገፅ፣ ንክፈርሕን ብስምዒት ዘይተደለየ ስጉምቲ ንክወሰድን ዝዓለመ ኢዩ።

መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክፍጠሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሎም ጥፍኣታት ብቐዳምነት መረዳእታ ብምእካብ ስጉምቲ ብምውሳድ ከፍሽል ፀኒሑ ኢዩ። ይኹን እንበር ዝሓለፈ ስርዓት ዘውረሰና ቀዳዳታት ኩሉ ኣብ ዝሓፀረ ጊዘ ዓቢስካ ምዝዛም ኣይተኽኣለን።

ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት ምስ ናይ ወፃኢ ለኣኽቶምን ኣብ ውሽጢ መሓዉር መንግስቲ ምስዝርከቡ ዘይፀረዩ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህዝብና መሕዘኒ መጥቃዕቲ የበፅሑ ኣለዉ። እቲ ኩነታት ከም መራሒን ከም ዜጋን ልቢ ዝሰብር ኢዩ።

እዚ ግን ካብ መገዲና ንድሕሪት፣ ካብ ሸቶና ናብ ካሊእ ኣይገብረናን። ተስፋ ቆሪፅና ደው ክንብል፣ ተሳዒርና ክነንሳሕብ ኣይገብረናን። ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓይሊና ኣተኣኻኺብና ንክንለዓል ዝገብረና እንበር።

መንግስቲ ኩሎም ዓይነታት ኣማራፅታት ተጠቒሙ እቲ ፀገም ክነቕሎ ኢዩ። ኣካላት ፀፅታ መጥቃዕቲ ናብ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ተዋፊሩ ኢዩ። ስጉምቲ መይወስዱ ኣለዉ ኢዮም። ኣብ ቀፃሊ እውን ደሕንነት ህዝብና ንምሕላው መንግስቲ ናይ መንግስቲ ስራሕ ብቖራፅነትን ብፅንዓትን ክሰርሕ ኢዩ።

ህዝቢ፣ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ኣካላት ፀፅታ፣ ምሁራንን ካልኦትን መንግስቲ ነቲፀገም ካብ ምንጩ ንምድራቕ ዝወስዶ ስጉምቲ ብምድጋፍ ትፅቢት ዝግበረሎም ንክገብሩ ፃውዒት አቕርብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.