Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተዛቲዮም

 

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተዛቲዮም።

እቲ መድረኽ ዘተ ቅድመ ምክልኻልን ጥንቃቐን ኮቪድ 19 ተግባራዊ ብምግባር ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምቕፃል ኣብ ዝግበር ዘሎ ምድላውን ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ዘድሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታን ሰላምን ንከየጋጥምን ፀገም እንተጋጢሙ ድማ በህፁፅ ንምቕራፍ ዘኽእል ምድላው እተን ትካላት ንምርኣይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እተን ትካላት ማእኸል ፍልጠትን መህዞን ኢየን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣመራርሓ ንትምህርቲን ቱሪዝምን ዝኸውን ነባራዊ ኩነታት ንከመዓራርዩ ዘኽእል ቀፀልቲ ኣንፈታት ከመዝተውሃቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.